ኣውትኬሪንግ ክሓትት ደልየ

ዕድሜኻ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ኮይኑ ናይ ጥሮታ ዕድመ ዘይበጻሕካ ግን ክኣ ከናብረካ ዘይክእል ውሑድ ኣታዊ እንተለካ፧ ኣብዚ ገጽ እዚ መሰልካ እንታይ ከምዝኾነን ከመይ ጌርና ክንሕግዘካ ከም እንኽእልን ክንገልጸልካ ኢና።

ናይ ኣውትኬሪንግ መሰል ዘለካ መዓስ ኢዩ፧

ስራሕ እንተዘይብልካ ኣታዊ የብልካን። እዚ ኽኣ ደስ ዘብል ኣይኮነን። ናይ ሓገዝ ኣውትኬሪንግ ንኽትሓትት ክንትሓባበረካ ኢና። ከምኡ ጌርካ ድማ ሕሳባትካ ክትከፍል ከም ክራይ ገዛ፣ ከምኡ እውን ዝስተን ዝብላዕን ክትገዝእን  ትኽእል። ናይ ሓገዝ ኣውትኬሪንግ ንኽትቅበል ዝተወሰኑ ቅድመኩነታት ክተማልእ ኣሎካ። ካብቶም ቀንዲ ቅድመኩነታት:

  • ኔዘርላንዳዊ ወይ ብስሩዕ ተቀማጢ ኔዘርላንድስ እንተ ኾንካ.
  • ዕድመኻ ልዕሊ 18 ዓመት ግን ናይ ጥሮታ ዕድመ ዘይበጻሕካ እንተኾንካ.
  • ከናብረካ ዝኽእል ገንዘብ ዘይብልካ እንተኾንካ.
  • መሰል ናይ ካልእ ዓይነት ኣውትኬሪንግ ንኣብነት ካብ  UWV ዝወሃብ እንተዘይብልካ.

ብፍሉይ

ኣውትኬሪንግ ክትሓትት እንተደሊኻ፣ ነዚ ብwerk.nl ጌርካ ትሓትት። ኣብ werk.nl ከም ደላይ ስራሕ ኢኻ እትምዝገብ። ካብኡ ብምቅጻል ኣውትኬሪንግ ትሓትት። ዝተወሰነ ሕቶታት ድሕሪ ምምላስካ ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ ምስ በጻሕካ ምስታ እትቅመጠላ ዘለኻ ኸሜንተ ተራኸብ ዝብል ሓበሬታ ይመጸካ።

ቀልጢፍካ እንተ ተራኺብካ ዝበለጸ ኢዩ። ዕድሚኦም ትሕቲ 27 ዓመት ዝኾኑ ሰባት 4 ሰሙን ናይ ምጽባይ ግዜ ኣሎ። እዚ ማለት ክኣ ቀልጢፍካ ኣውትኬሪንግ ይወሃበካ ማለት ኣይኮነን። ኣብተን ኣርባዕተ ሳምንቲ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ክትረክብ ይካኣል ድዩ ኣይክኣልን ይርአ። ነዚ ድማ Fijnder ክተሓጋገዘካ ኢዩ።

ምሳና ብምህባር ዝበቕዕእካ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ክርከብ እንተዘይተኻኢሉ፣ ምናልባት መሰል ናይ ኣውትኬሪንግ ክህልወካ ይኻል ነቲ ዝተረፈ ናይ ኣውትኬሪንግ ምሕታት ንሕግዘካ።

ናትካ ገዛ እንተለካ፣ እቲ ዝወሃበካ ደገፍ ብመልክዕ ልቓሕ ኢኻ ትቅበሎ። krediethypotheek ኢልና ድማ ንጽውዖ። ነዚ krediethypotheek ንኽትቅበል ነዞም ዝስዕቡ ቅድመኩነታት ክተማልእ ኣለካ። እቶም ኣገደስቲ ቅድመኩነታት ድማ:

  • ወናኒ ናይቲ ትነብረሉ ዘለኻ ገዛ ክትከውን ኣለካ.
  • ናይቲ ገዛኻ ዕዳ ካብ  €53.100 ኣንተኮይኑ።.
  • እቲ ኣብ ዓመት እትቅበሎ ሓገዝ ካብቲ ወርሓዊ ዝተሓተ ክፍሊት(minimumloon) ንላዕሊ እንተ ኮይኑ።
  • ካባኻ ክንጽበዮ ዘይብልና፣ምስገዛኻ ዝተኣሳሰር ሃብቲ ናብ ገንዘብ ክትቅይር ኢዩ። እዚ ማለት ድማ ገዛኻ ክትሸይጥ ወይ ተወሳኺ ዕዳ ከይትሰማማዕ ኢዩ።

ኣውትኬሪንግ ከመይ ጌርካ ኢኻ እትሓትት፧

ኣውትኬሪንግ ክትሓትት እንተድኣ ኴንካ መጀመርያ ከም ደላዪ ስራሕ ኣብ werk.nl ክትምዝገብ ኣለካ። እዚ ድማ ናትካ  DigiDን ናይ ኢማይል ኣድራሻን የድልየካ።

እቲ ሕቶኻ እንታይ ይኸውን፧

ክልተ መዓልቲ ድሕሪ ከም ደላኣይ ስራሕ ኣብ werk.nl ምምዝጋብካ ባዕልኽእ ናብታ እትቅመጠላ ኸሜንተ ብምድዋል ናይ ኣውትኬሪንግ ምዝገባ ክተካይድ ቆጸራ ግበር። እቲ ናይ ኣውትኬሪንግ መመዝገቢ ዝርርብ ምስ ናይ ፋይንደር (Fijnder) ናይ ኣታዊታት ኣማኻሪ ኢኻ እተካይዶ።

መጻንሒ

ኣርባዕተ ሰሙ ድሕሪ ኣውትኬሪንግ ምሕታትካ ክሳብ Fijnder ናይቲ ሓቲትካዮ ዘለኻ ናይብ ደገፍ ኣውትኬሪንግ ውሳነ ዝህብ መጻንሒ ገንዘብ  ትቅበል። እቲ ዝወሃበካ መጻንሒ ገንዘብ  ብዉሑዱ 90% ናይቲ ዝግባእ ኣውትኬሪንግ ኢዩ። እንተድኣ ኣብቲ ኣውትኬሪንግ ዝሓተትካሉ ግዜ ቀልጢፉ ናይ ኣውትኬሪንግ መሰል ከምዘይብልካ ነጺሩ መጻንሒ ገንዘብ ኣይወሃበካን ኢዩ።

ነቲ ዝተዋህበካ መጻንሒ ገንዘብ ኩሉ ግዜ ክትመልሶ ኢዩ ዘሎካ። ናይ ኣውትኬሪንግ መሰል እንተልዩካ ካብቲ ዝወሃበካ ናይ መጀመርያ ኣውትኬሪንግ ይጎድል ኢዩ።

ኣውትኬሪንግ ምሕታትን እቶም ምስኡ ዝኸዱ ሕግታትን ሕልኽላኽ ከምዝኾኑ ይርድኣና ኢዩ። ሕቶታት ኣሎካ ድዩ፧ ክንሕግዘካ ድሉዋት ኢና።