ኣውትኬሪንግ እቅበል ኣለኹ፣ ግዴታታተይ እንታይ ኢዩ፧

ኣውትኬሪንግ ክወሃበካ ዲኻ እትደሊ ዘለኻ ወይ ድሮ ኣውትኬሪንግ ትወስድ ኢኻ፧ ስለዚ ብዛዕባ ኩነታትካ ቅኑዕ ሓበሬታ ከፍልጠና ኣሎካ። እዚ ናትካ ግዴታ ኢዩ። ኣብዚ ታሕቲ መዓስን ብከመይን ሓበሬታ ክትህበና ከም እትኽእል ክተንብብ ትኽእል።

ናይ ምሕባር ግዴታ

ናይ ምሕባር ግዴታ ማለት፣ ኩሉ ነቲ ናይ ኣውትኬሪንግ መሰልካ ኣገዳሲ ክኸውን ዝኽእል  ሓበሬታ ንFijnder ክተፍልጥ ኣለካ ማለት ኢዩ። ስለዚ ኣውትኬሪንግ ትቅበል እንተድኣ ሃሊኻ ወይ ክወሃበካ ትሓትት እንተ ሃሊኻ፣ እዚ ናይ ሓበሬታ ምሃብ ግዴታ  ሓደ  ካብቶም ኣገደስቲ ግዴታታትካ ኢዩ። ኣብ ኩነታትካ ዝኾነ ለውጢ እንተድኣ ሃልዩ፧  ቀልጢፍካ ክተፍልጠና ኣሎካ። ንኣብነት ካብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ለውጢታት  ዝምልከተካ እንተ ኮይኑ:-

  • ስራሕ ስለ ዝጀመርካ ኣታዊታት ትቅበል እንተሊኻ;
  • ተቀያያሪ ኣታዊታት ትቅበል እንተድኣ ሃሊኻ;
  • ካልእ ሃብቲ እንተ ድኣ ተቀቢልካ፧
  • ትምህርቲ ክትመሃር እንተድኣ ደሊኻ;
  • ናይ ወለንተኛታት ስራሕ ክትሰርሕ እንተድኣ ደሊኻ;
  • ገዛ ትቅይር/ትግዕዝ እንተድኣ ኣሊኻ;
  • ናይ ሂወትካ ኩነታት ተቀዪሩ (ምስ ካልእ እንተድኣ ተጠርኒፍካ ክትነብር ጀሚርካ፣ ተፋቲሕካ፣ ናባኻ ዝደረቡ ወይ ካብ ገዛኻ ዝወጹ ውሉድ እንተድኣ ሃልዮምኻ);
  • ንዕረፍቲ ክትገይሽ እንተድኣ ደሊኻ።

ነቲ ዝመጸ ለውጢ ከመይ ጌርካ ኢኻ እትሕብር፧

ኣብ ኩነታትካ ለውጢ እንተድኣ ሃልዩ ነዚ ለውጢ ብመንገዲ Mijn Inkomen (ኣታዊታተይ) ክትሕብር ትኽእል። ብናትካ DigiD ጌርካ ብምእታው ነቲ ለውጢ ዲጂታል ክትሕብረና ትኽእል። ነቲ ዝተለወጠ ኩነታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ክትሕብረና ኣለካ። ነቲ ሓበሬታ ንምሃብ እንተድኣ ተጠራጢርካ ክንሕግዘካ ድልዋት ኢና። ምስቲ ናትካ ናይ ኣታዊታት ኣማኻሪ (consulent inkomen) ተራኸብ።  

ተቀያያሪ ኣታዊታት ዲኻ ትቅበል፧ ነዚ ወርሓዊ ክትሕብረና ኣለካ። ወርሓዊ  ናይ ኣታዊታት ፎርም ካባና ብፖስት ክመጸካ ኢዩ። ኣብዚ ፎርም’ዚ ናይ መወዳኣታ ክተረክበሉ ዘለካ ዕለት ተሓቢሩ ኣሎ። ነቲ ናይ ኣታዊታት ፎርም በቲ ዝመጸካ ናይ መምለሲ ሰታሪት ናባና ስደዶ።

እንተድኣ ደንጒኻ፣ ወይ ዝሃብካና ሓበሬታ ግጉይ ኮይኑ፣ ወይ ብሰንኪ እዚ ግጉይ ሓበሬታ  ብዙሕ ገንዘብ ተቀቢልካ፧ ነቲ ዝተቐበልካዮ ዓቐን ገንዘብ ብዝቐልጠፈ ክትመልሶ ኣለካ። መቕጻዕቲ እውን ክውሰነልካ ይኽእል ኢዩ።

ናይ ዕዮ ግዴታ

Fijnder ንዓኻ ዝበቅዕ ስራሕ ኣብ ምርካብ ክትሓጋገዘካ ኢዩ። ዋላ ኣውትኬሪንግ እንዳ ተቀበልካ ወይ ክወሃበካ እንዳ ሓተትካ፣ ስራሕ ናይ ምድላይ ግዴታ ኣሎካ፧ ምስኻ ብሓባር ኴንና ስራሕ ንምርካብ ዘሎ ተኽእሎታትን ዕድላትን እንታይ ከምዝኾነ ክነጽንዕ ኢና። ብዝቀልጠፈ ግዜ ስራሕ ንኽትረክብ ድማ ክንተሓባበረካን ክንመርሓካን ኢን ኢና።

ባዕልኻ ስራሕ ክትረክብ ክኢልካ፧ በቲ ረኺብካዮ ዘለኻ ሓዲሽ ስራሕ ዓወት ንምነየልካ። ነዚ እውን ንዓና ክትሕብረና ኣለካ።

ሙግዳል ኣውትኬሪንግ

ኣብ ገሊኡ ኩነታት Fijnder ኣውትኬሪንግካ ኮጉድል ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት:

  • እንተድኣ ነቲ ዝግባእ ሓበሬታ ዘይሃብካ፣ ጎደሎ ሓበሬታ ሂብካ ወይ ኣብ ግዜኡ እንተዘይሓበርካ።
  • ስራሕ ኣብ ምርካብ ንጡፍ ምትሕብባር እንተዘይጌርካ።
  • ኣካያድኻን ኣተሓሕዛ ገንዘብካን ዘይሓላፍነታዊ ብምዃንካ ዝያዳ ኣውትኬሪንግ ዘድልየካ ኮይኑ።
  • ነቶም ምሳኻ ዝተሰማማዕናሎም ስምምዓት ኣአይተተግብሮም ኴንካ።
  • ምስ ሰራሕተኛታት ናይ Fijnder ብጠባይ ዘይትረዳዳእ ኴንካ።

ብርግጽ ቅድሚ ነቲ ኣውትኬሪንግ ሙግዳልና እንታይ ከምዘጋጠመን ባዕልኻ እንታይ ክትገብር ትኽእል ከምዝነበርካን ንርኢ ኢና። እንተድኣ ቀጻሊ ነቶም ምሳና ዝተሰማማዕካዮም ዘይተተግብሮም ኴንካ እቲ ኣውትኬሪንግ ብተወሳኺ ከም ዝጎድል ክግበር ይኽእል ኢዩ።

ኣውትኬሪንግ ትቅበል እንተድኣ ኴንካ ብዙሕ ነገራት ኣብ ግምት ክተእቱ ከምዘለካ ንርዳእ ኢና። እንተድኣ ባዕልኻ ዘይትኽእሎ ነገር ሃልዩ፣ ክንሕግዘካ ንኽእል ኢና።