Of bekijk hier de veelgestelde vragen

ኣብ ኔዘርላንድ ሓዲሽ ኢየ፣ ክወሃሃድ ኣለኒ

ኣብ ኔዘላንድ ሓዲሽ ኢኻ። ኣብዚ ድማ ሕእዲሽ ሂወት ክትጅምር ትደሊ ኣለኽእ። Fijnder ካብ መጀመርያ ኣብዚ ናይ ኔዘርላንድ ሕብረተሰብ ንኽትሳተፍ ክሕግዘካ ኢዩ። እዚ ኽኣ ኢንቡርኸሪንግ ኢልና ንጽውዖ። ምውህሃድ ንዝኾነ ካብ ወዲ 16 ዓመት ክሳብ ዕድመ ጥሮታ ዝበጽሐን ኣብዚ ንነዊሕ ግዜ ወይ ናይ ዝተወሰነግዜ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦ ሓዲሽ ተቐማጣይ ግዴታ ኢዩ።

ከመይ ጌርካ ኢኻ እትወሃሃድ፧

መጀመርታ ክትወሃሃድ (ኢንቡርኸሪንግ ክትገብር) ከምዘለካ ዝሕብር ደብዳቤ ክመጸካ ኢዩ። ንኽትወሃሃድ 3 ዓመት ግዜ ይወሃበክ። እቲ ናይ ኢንቡርኸሪንግ (ምውህሃድ) መስርሕ ከመይ ከም ምዃኑን ከመይ ከምዝመስልን ንኽትፈልጦ ኣገዳሲ ሙዃኑ ይርድኣና ኢዩ። ኣብዚ ድማ በብደረጅኡ ክንገልጸልካ ኢና።

ሰፊሕ ምዝገባዊ ዝርርብ

ምስ ሓደ ናይ Fijnder ሰራሕተኛ  ክትዘራረብ ኢኻ። እዚ ምሳኻ ዝርርብ ዘካይድ ሰራሕተኛ ክላንት ማናጀር ኢልና ኢና ንሰምዮ። ኣብዚ ዝርርብ እዚ፣ ብዛዕባ ውልቃዊ ኩነታትካ ኢኻ ትዘራረብ። ድሕሪ እዚ ሰፊሕ ምዝገባዊ ዝርርብ እዚ ካብ መዓስ ጀሚርካ ናይ ምውህሃድ (ኢንቡርኸሪንግ) መስርሕ ክትጅምር ምዃንካ ደብዳቤ ክመጸካ ኢዩ።

ግላዊ መደብ ምውህሃድን ተሳታፍነትን(PIP)

ድሕሪ እቲ ምዝገባዊ ዝርርብ ምስ ክላንትማናጀርካ ብሙዃን ውልቃዊ ምደብካ ተውጻኡ። እቲ መደብ እቲ  ግላዊ መደብ ምውህሃድን ተሳታፍነትን (PIP) ኢልና ንጽውዖ። ኣብዚ መደብ እዚ ውልቃዊ መደባት ዒላማኻን  ምስቲ ክላንት ማናጀርካ እትኣትዎም ስምምዓት ትጠቅስን። ኣብዚ ውልቃዊ መደብካ ኣየናይ ናይ ትምህርቲ መስንገዲ ክትክተል ሙዃንካን ተጠቒሱ ኣሎ። ሰለስተ ናይ ትምህርቲ መስመራት ኢዩ ዘሎ። ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ኣለዉ።

መስመራት ትምህርቲ

እዚ መስመር በ ኤን ቋንቋ ኔዘርላንድስ ብደረጃ ቤ ኤን ንምምላኽ ዝዕእለመ ኢዩ። ነዚ ደረጃ መስመር በይ ኤን ንኽትሓልፍ ናይ ማእከላይ ናይ ምውህሃድ መርመራክፋላት ናይ ምንባብ፣ ምጽሓፍ፣ ምስማዕ፣ ምዝራብ ብደረጃ በይ ኤን  ፣ ከምኡ ድማ ኣፍልጦ ማሕበረሰብ ኔዘርላንድ (KNM) ክትሓልፍ ኣለካ።

እዚ መስመር እዚ ንንኣሽቱ ሓደስቲ መጻእቲ ዝምልክት ኢዩ።  እዚ ናይ ትምህርቲ መደብ እዚ ናይ ቋንቋ መሰጋገሪ መደብ ሃልይዎ ዕላምኡ ድማ ብዉሑዱ ቋንቋ ኔዘርላንድስ  ደረጃ በይ ኤን ብምምላኽ ናብቲ ስሩዕ ቤት ትምህርቲ (MBO, HBO of WO) ክትጽንበር ንምኻኣል ዝዓለመ ኢዩ። ነዚ መስመር እዚ ብዓወት እንተድኣ ዛዚምካ፣ ብቑዕ ክእለት ቋንቋ ኔዘርላንድስ፣ እኹል ፍልጠት ሕብረተሰብ ኔዘርላንድን ዕዳጋ ዕዮን ናይ ምምሃር ክእለትን ወኒንካ ስለዘለኻ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንኽትቅጽል ክትክእል  ብቕዓት እጥሪኻ ኣለኻ።

እዚ ናይ ርእስኻ ምኽኣል መስመር ኮይኑ ብዉሑዱ  ርእስኻ ክኢልካ ኣብ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ ንኽትሳተፍ ዘብቅዓካ ናይ ቋንቋ ኔዘርላንድስ ምልከትካ ደረጃ A1 ንምብጻሕ ዝዓለመ ኢዩ። እዚ መስመር እዚ ነቶም ደረጃ በይ ኤንን ናይ ትምህርቲ መስመር ክከታተሉ ዝኸብዶም፣ ንቋንቋ ኔዘርላንድ ክሳብ ደረጃ በይ ኤንን ኣ ትቨይን (B1 of A2) ኣብዚ ናይ ኢንቡርኸሪንግ ናይ ግዜ ገደብ ክበጽሕዎ ዘይክእሉን ሓደሽቲ መጻእቲ ዝምልከት ኢዩ።   

መደብ ቃል ተሳታፍነት

ኣብ ጎኒ እቲ እትኽተሎ ናይ ትምህርቲ መስመራት፣ ኣብ መደብ ቃል ተሰታፍነት ክትሳተፍ ኢኻ። እዚ መደብ እዚ ዎርክሾፕ ብዛዕባ ቀንዲ መሰረታዊ ክብርታት ናይ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድን  ነቲ ቃል ምፍራምን ኢዩ። ነቲ ናይ ተሳታፍነት ቃል ብምፍራምካ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ ዘሎ ሕግታትን ልምድን ከም ዝተላለኻዮን ነቲ ሕግታት ከም እተኽብሮምን ዝግብኣካ ኣበርክቶ ክትገብር ከም ዝኾንካ ኢኽእ እተረጋግጽ።  ናብዚ ዎርክሾፕ ንምስታፍ ካብታ እትቕመጠላ ኸሜንተ ጻውዒት ክመጸካ ኢዩ።

ዕዳጋ ዕዮን ተሳታፍነትን

ኣብ ጎኒ እቲ ናይ ትምህርቲ መስመራትን ናይ ተሳታፍነት ቃል መደብን፣መደባት  ብዛዕባ ዕዳጋ ዕዮን ተሳታፍነትን ክትክተል ኢኻ። ነዚመደባት እዚ ብምክትታልካ ምስ ናይ ኔዘርላንድ ዕዳጋ ዕዮ ክትላለ ኢኻ። ከምኡ እውን ኣብቲ ዕዳጋ ዕዮ ንኽትሳተፍ  ኣየኖት ብቕዓታትን ክእለታትን ከም ዘድልዩኻ ክትመሃር ኢኻ።

ግዝያዊ ወይ ቀዋሚ ምልዓል ግዴታ ኢንቡርኸሪንግ

ናይ ምውህሃድ መደብ እንዳ ተኸታተልካ ነቲ ናይ ምውህሃድ መደብ ንምቕጻል ዘየኽእል ኩነታት ክገጥመካ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት ብናይ ጥዕና ኩነታት። በዚ ምኽንያት ናይ ኢንቡርኸሪንግ ግዴታ ነጻ ኽትበሃል ይክኣል ኢዩ።  ነዚ ንምርካብ ግን ን Argonaut ሓቲትካ ኢኻ እትረኽቦ። .እንተድኣ ዘይክኣልካዮ፣ ክንሕግዘካ ድሉዋት ኢና።

ከምኡ እውን ብከፊል ወይ ብሙሉእ ካብ ናይ ምውህሃድ መድብ ምሕረት ክግበረልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት:

  • ብዉሑዱ ሸሞንተ ዕእመት ኣብ ኔዘርላንድ ተቐሚጥካ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ናይ ምምሓር ወይ ናይ ብቕዓት ግዴታ እንተ ኔሩካ
  • ብቑዕ ክእለት ናይ ቁንቋ ኔዘርላንድስን ፍልጠት ሕብረተሰብ ኔዘርላንድን ከምዘለካ ክተረጋግጸሉ እትኽእል መስክር ወረቓቕቲ እንተልዩካ።
  • ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ምምሃርን ብቕዓትን ግዴታ ኣልዩካ
  • ኣብዚ እዋን እዚ እኹል ክእለት ቋንቋ ኔዘርላንድን፣ እኹል ፍልጠት ሕብረተሰብ ኔዘርላንድን ከምዘሎካ ዘርኢ ዲፕሎማ ወይ ሰርቲፊኬት ከውህበካ ዝኽእል ዓይነት ትምህርቲ ትከታተል እንተድኣ ሃሊኻ።
  • ዓአርተ ዕእምት ኣብ ኔዘርላንድ ተቐሚጥካ ብዉሑዱ 5ዓመት ወለንታዊ ወይ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ሰሪሕካን እኹል ናይ ምዝራብን ምስማዕን ብቕዓትካ ኣብ ደረጃ B1 እንተኮይኑ።.

ካብ ናይ ኢንቡርኸሪንግ ግዴታ ነጻ ክትበሃል ን DUO ባዕልኻ ናይ ምሕታት ሓላፍነት ኣለካ። ክትመሓርን ከይትመሓርን DUO ባዕሉ ኢዩ ዝውስን።